Boom times are back in Silicon Valley. Office parks along Highway 101 are once again adorned with the insignia of hopeful start-ups. Rents are soaring, as is the demand for fancy vacation homes in resort towns like Lake Tahoe, a sign of fortunes being amassed. The Bay Area was the birthplace of the semiconductor industry and the computer and internet companies that have grown up in its wake. Its wizards provided many of the marvels that make the world feel futuristic, from touch-screen phones to the instantaneous searching of great libraries to the power to pilot a drone thousands of miles away. The revival in its business activity since 2010 suggests progress is motoring on.
So it may come as a surprise that some in Silicon Valley think the place is stagnant, and that the rate of innovation has been slackening for decades. Peter Thiel, a founder of PayPal, and the first outside investor in Facebook, says that innovation in America is “somewhere between dire straits and dead”. Engineers in all sorts of areas share similar feelings of disappointment. And a small but growing group of economists reckon the economic impact of the innovations of today may pale in comparison with those of the past.
[ … ]
Across the board, innovations fueled by cheap processing power are taking off. Computers are beginning to understand natural language. People are controlling video games through body movement alone—a technology that may soon find application in much of the business world. Three-dimensional printing is capable of churning out an increasingly complex array of objects, and may soon move on to human tissues and other organic material.
An innovation pessimist could dismiss this as “jam tomorrow”. But the idea that technology-led growth must either continue unabated or steadily decline, rather than ebbing and flowing, is at odds with history. Chad Syverson of the University of Chicago points out that productivity growth during the age of electrification was lumpy. Growth was slow during a period of important electrical innovations in the late 19th and early 20th centuries; then it surged.
| Winning entries could not be determined in this language pair.There were 2 entries submitted in this pair during the submission phase. Not enough entries were submitted for this pair to advance to the finals round, and it was therefore not possible to determine a winner.
Competition in this pair is now closed. |
ፉሕ ፉሕ ዝብሉ ግዝያት ናብ Silicon Valley ተመሊሶም ኣለዉ። ማዕረ ማዕረ Highway 101 ዘለዉ ሕዛእትታት ቤት-ጽሕፈት ከምብሓድሽ ብኣርማታት ናይ ተስፋ ዘለወን ጅመራታት ዋኒን ኣጊጾም ኣለዉ። ዋጋታት ክርይ ላዕሊ ይኸዱ ኣለዉ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ጠለብ ናይ ብሉጻት ናይ ዕረፍቲ ኣባይቲ ኣብ ከም ብዓል Lake Tahoe ዝኣመሰላ ናይ ምዝንጋዕ ከተማታት ዝርከቡ ይውስኽ ኣሎ። እቲ Bay Area መበቆል'ቲ ናይ ሓውሲ-ኣመሓላላፊ ኢንዱስትሪ እዩ ነይሩ። እቶም ናቱ ጠቢባን ንብዙሓት እቶም ንዓለም ናብ መጻኢ ዝጠመትት/ኣዝያ ዘበናዊት ኮይና ከምትስምዓካ ዝገብሩ ድንቂ ነገራት ኣቕረቡ፡ ካብ ናይ ዝትንከፍ-ስክሪን ተሌፎናት ክሳብ'ቲ ቅጽበታዊ ፍተሻ ናይ ዓበይቲ ኣብያተ-መጻሕፍቲ ክሳብ'ቲ ንሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣሽሓት ማይላት ርሒቕካ ክተብርር ምኽኣል። ካብ 2010 ጀሚሩ ኣብ ናይ ዋኒን ንጥፈቱ ዳግም ህይወት ምዝርኡ ገስጋስ ኣብ ጒዕዞ ምህላዉ ዘመልክት'ዩ። ስለዚ ገለ ኣብ Silicon Valley ዘለዉ ሰባት እቲ ቦታ ዛሕቲሉ ኣሎ፡ ከምኡ ድማ እቲ መጠን ሓድሽ ምህዞ ንዓሰርተታት ዓመታት ቀስ ክብል ጸኒሑ ኣሎ፡ ኢሎም ዝሓስቡ ምዃኖም ዘገርም ክኸውን ይኽእል'ዩ። Peter Thiel፡ መስራቲ ናይ PayPal፡ ከምኡ'ውን እቲ ናይ መጀመርታ ግዳማዊ ኣውፋሪ ኣብ Facebook፡ ኣብ ኣመሪካ ሓድሽ ምህዞ "ኣብ መንጎ ኣመና ጸበባን ሞትን እዩ ዘሎ" ይብል። ኣብ ክሎም ዓይነታት ዓውድታት ዘለዉ መሃንድሳት'ውን ብተመሳሳሊ ከምኡ ዘይሕጒሳት እዮም። ውሑድ ግን ክኣ ዝዓቢ ዘሎ ቚጽሪ ዘለዎም ክኢላታት ስነ-ቚጠባ እቲ ቊጠባዊ ጽልዋ ናይቶም ናይ ሎሚ ምህዞታት ምስቶም ናይ ቅድም ክነጻጸሩ ኸለዉ ክሃሱ ምዃኖም ይግምቱ። [ … ] ንዂሉ ኣባል ዘሳትፉ፡ ብሕሱር ናይ መመስርሒ ሓይሊ ዝዝወሩ ምህዞታት ይውንጨፉ'ለዉ። ኮምፕዩተራት ባህርያዊ ቋንቋ ክርድኣ ጀሚረን ኣለዋ። ሰባት ንጸወታታት ቪድዮ ብናይ ኣካላት ምንቅስቓስ ጥራይ ይቆጻጸርዎም ኣለዉ—ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ብዙሕ ናይ ዋኒን ዓለም ተግባራውነት ክረክብ ዝኽእል ተክኖሎጂ። ሰለስተ-መዳያዊ ሕትመት ሕልኽላኽነቶም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኲምራ ነገራት ብብዝሒ ከውጽእ ክኢሉ ኣሎ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ከኣ ናብ ናይ ሰብ ኣካሊታትን ካልእ ኣካላዊ ነገራትን ክሰግር ይኽእል'ዩ። ሓደ ናይ ምህዞ ሕማቕ ትጽቢተኛ ነዚ ከም "ምጥርናቕ ጽባሕ" ኢሉ ክስርዞ ይኽእል'ዩ። ግን ብተክንሊጂ-ዝምራሕ ዕብየት ከየቋረጸ ክቕጽል ኣለዎ ወይ ዘገምታዊ ምንቊልቋል ከርኢ ኣለዎ፡ ኣብ ክንዲ ምቕሃምን ምውሓዝን፡ ዝብል ኣተሓሳስባ ምስ ታሪኽ ዝጋጮ እዩ። ካብ University of Chicago (ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ) ዝኾነ Chad Syverson ኣብቲ ዘበነ ምህዞ ኤለክትሪክ ዕብየት ኣፍራይነት ዘይምዕሩይ እዩ ነይሩ። ዕብየት ኣብ እዋን ኣገደስቲ ኤለክትሪካዊ ምህዞታት ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ከምኡ'ውን ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዝሑል ነይሩ፣ ብድሕሪኡ ሰማይ ዓሪጉ። | Entry #26231 — Discuss 0 — Variant: Not specifiednone
|
እዋናት ፊሕታ ናብ ስሊኮን ቫሊ እንዳተመልሱ እዮም። እቶም በቲ ጽርግያ 101 ቖይሞም ዝርከቡ ኣብያተ-ጽሕፈታት፣ ተስፋ ብዘለዎም ናይ ጀመርቲ ትካላት ምልክታት ዳግም ኣጊጾም ኣለው። ክራይ ንላዕሊ ይንሳፈፉ ኣለው፤ ልክዕ ከምኡ ከኣ ጠለባት ናይ ዘብለጭልጩ መዕረፊ ገዛውቲ፣ ከም ኣብ ሌክ ታሆ ዝርከቡ ናይ መዘናግዒ ከተማታት፣ ሃብቲ ዝድለበሉ ዘርኢ ምልክታት ኣሎ። እቲ በይ ኤርያ ናይ ሓውሲ-ኣመሓላላፊ ኢንዱስትሪ ከምኡውን እተን ኮምፕዩተርን እንተርነትን ኩባንያታት ድሕሪ እቲ ትንሳኤኡ ስዒበን ዝዓበያን ዝተወልደሉ ቦታ እዩ ኔሩ። መብዛሕትኦም ነቶም ንዓለምና ንመጻኢ ከምተምርሕ ዘላ ዘእምኑ ኣደነቕቲ ነገራት፣ ካብ ብኢድ ዝጥወቓ ዓለባ ተለፎናት ክሳብ ንዓበይቲ ቤት-ንባባት ብኡ-ንብኡ ንኽትፍትሽ ዘኽእል ክሳብ ናይ ኣብ ርሑቕ ማይልስ እትበርር ናይ ሕንዚዝ ነፋሪት ሮቦት ክትነፍር ዘኽእላ ሓይሊ በቶም ብልሔኛታታ ዝተዋህቡ እዮም። ተሓድሶ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታታ ካብ 2010 ኣትሒዙ ዝጀሚረ ኮይኑ ዕቤት ንቕድሚት ይግስግስ ከምዘሎ እዩ ዝሕብር። ስለዚ ሓደሓደ ኣብ ስሊኮን ቫሊ ዘለዉ እዚ ቦታዚ ከምዝደስከለ፤ ከምኡውን አቲ ናይ ምህዞ ፍጥነት ንዓሰርተታት ዓመታት ዛሕቲሉ ከምዝጸንሔ ዝሓስቡ ምህላዎም ምናልባት ሓደ ዘገርም ነገር ኮይኑ ክርኤ ይኽእል ይኸውን። ፒተር ቲል፤ ናይ ፐይፓል መስራቲን፣ ናይ ፈይስቡክ ናይ መጀመርታ ናይ ወጻኢ ኣውፋራይን፣ ብዛዕባ ምህዞ ኣብ ኣሜሪካ "ኣብ መንጎ ጽንኩር ኩነታትን ምውትን" እዩ ዘሎ ዝርከብ ይብል። ኣብ ኩሎም ዓይነታት ጽፍሕታት ዝርከቡ መሃንድሳትውን ብተመሳሳሊ ናይ ተስፋ ዘቑርጽ ስምዒትታት ከምዘለዎም እዮም ዝሕብሩ። ከምኡውን ውሑዳት ግን እንዳወሰኹ ዝኸዱ ዘለው ናይ ቁጡባ ተመራመርቲ ነዚ ናይ ሎሚ ምህዞታት ዘኸትልዎ ዘለው ቁጠባዊ ጽልዋታት ምስቶም ናይ ቀደም ኣወዳዲርካ ክርኤ ከሎ ዝተሓተ ኮይኑ ከምዝርከብ ይእመኑ። [ … ] ብኹሉ መዳይ፣ ኣብ ሕሱር ናይ መስርሕ ዓቕምታት ተመርኩሶም ዝንቀሳቐሱ ምህዞታት ብሓይሊ ንላዕሊ ይውንጨፉ ኣለው። ኮምፕዩተራት ተፈጥርኣዊ ቓንቓ ክርድኣ ጀሚረን ኣለዋ። ኣህዛብ ናይ ቪድዮ ጸወታት ብናይ ኣካል ምንቅስቓስ ጥራሕ ንበይኑ ይቆጻጸርዎ ኣለው — እዚ ቴክኖሎጂ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መብዛሕቱ ናይ ንግዲ ዓለም ጠቓምነት ዝረኽበሉ ይህሉ ይኸውን። ናይ ሰለስተ ኩርናዕ መሕተሚታት፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተሓላለኸን፣ እንዳገደደን ዝኸይድ ዘሎ ነገራት ከምኡውን ናብ ናይ ወዲሰብ ኣካላትን፣ ካልኦት ኣቑጽልትን ኣብ ቀረባ እዋን ብቕጽበት እንንዳገለጸ ክኸይድ ይኽእል እዩ። . እቲ ኣብ ምህዞ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ፤ ነዚ ከም "ማልማላታ ጽባሕ" ቢሉ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ግና እቲ ቴክኖሎጂ ዝመርሖ ዕቤት ወይ ከየቓረጸ ክቕጽል ወይ ድማ ዝግ እንዳበለ እዩ ዝኸይድ ዝብል ኣተሓሳስባ፣ ኣብ ክንዲ ኣንዳጠፍኤን ቀስ ኢሉ ዝውሕዝን፤ ምስ ታሪኽ ዘይቃዶ እዩ። ናይ ምህርቲ ዕብየት ኣብ ዕድመ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘይተመዓራረየ ከምዝነበረ ናይ ቺጋጎ ዩኒቨርስቲ ቻድ ሳይቨርሰን ይጠቅስ።ኣብቲ እዋን ናይ ዝለዓለ ኤለክሪካዊ ምህዞታት እዋን፣ ኣብ መወዳእታ ናይ 19ን ከምኡን ናይ መጀመርታ 20 ክፍለ-ዘመናት ዕቤት ዝሑል እዩ ነይሩ፤ ብድሕሪኡ ኸኣ እንዳወሰኸ ከይዱ። | Entry #27101 — Discuss 0 — Variant: Not specifiednone
|